ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማታት ሃምቡርግን ማንሃይምን – ጀርመን፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ነበርቲ ሃምቡርግ ብ16 ለካቲት ኣብ ዘካየዱዎ – ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን ዞባናን ዘተኰረ ሰሚናር፡ ሃገራዊ መደባት ኣብ ምዕዋት ተሳትፎኦም ከምዘዕዝዙ ኣረጋጊጾም።

ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ፡ ዝዓበየ መደብና ሃገራዊ ልምዓት ምዃኑን፡ ንምዕዋቱ ውፉይ ጻዕሪ ከምዘድሊን ኣገንዚቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ከተማ ማንሃይም ዝነብሩ ዜጋታት፡ መበል 29 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ብ16 ለካቲት ጸምቢሎም።

ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ሽማግለ ኣብታ ከተማን ከባቢኣን፡ ኣቶ ዮውሃንስ ብርሃነ፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ወተሃደራዊ ግጥማትን ኣብኡ ዝተራእየ ጅግንነትን ምዝካር፡ ንእዋናዊ ብድሆታት ክትገጥም ድርኺት ዝፈጥር ምዃኑ ኣገንዚቡ።

Categories