ካብ 14 ለካቲት ኣብ ኢትዮጵያ ‘ባህላዊ ዑደት ንሰላም’ ከካይዱ ዝቐነዩ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት፡ ብ21 ለካቲት ኣብ ኣዲስ-ኣበባ – ኣዳራሽ ሚለንዩም ዛዛሚ ምርኢት ኣቕሪቦም።

ነቲ ያታውን ዘመናውን ሙዚቃ ኤርትራ ዘጠቓልልን ብቴለቪዥን ብቐጥታ ዝተፈነወን ምርኢት፡ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ዕድመ ዝተገብረሎም ተቐማጦ ኣዲስ-ኣበባን ብኣካል ተረኺቦም ተዓዚቦምዎ።

ኣባላት ሃገራዊ ጉጅለ ያታ – ‘ስብሪት’ ከምኡ’ውን ወናማት ገዳይምን መንእሰያትን ድምጻውያንን ሙዚቀኛታትን ዝርከቡዎም ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት፡ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምጽምባል፡ ብ16 ለካቲት ኣብ ከተማ ባህር-ዳር፡ ብ17 ለካቲት ኣብ ከተማ ኣዳማ፡ ብ19 ለካቲት ኣብ ከተማ ሃዋሳ ተመሳሳሊ ምርኢት ከምዘቕረቡ ይፍለጥ።

Categories