ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ 21 ለካቲት – መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብጺሑ።

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናን ዞባዊ ምዕባለታትን ዘተኰረ እዩ።

ከም ኣካል ናይ’ዚ ምብጻሕ፡ ላዕለዋይ ሓባራዊ ኮሚተ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንገስጋስ ክልተኣዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ዝድህስስ ርክብ ኣካዪዱ።

Categories