ገዲም ተጋዳላይ ዘርኣይ ተስፋስላሴ ትኳቦ፡ ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድመኡ ብ20 ለካቲት ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ዘርኣይ፡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ክፍሊ መጐዓዝያን፡ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ ኣብ ‘ዓንበርበብ ሼር ካምፓኒ’ ተመዲቡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ተጋዳላይ ዘርኣይ ተስፋስላሴ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓሙሽተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ሎሚ ሓሙስ 21 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መካነመቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።

‘ዓንበርበብ ሼር ካምፓኒ’፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ዘርኣይ ተስፋስላሴ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Categories