ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ምምሕዳራት ከባቢ ዓሊ-ግድርን እንጅሓይን ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣቋሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ዝስተ ማይ፡ ብምትሕብባር ህዝብን ኣካላት መንግስትን ብምፍትሑ፡ ጽሬቱ ዝተሓለወ ማይ ክሰትዩ ከምዝበቕዑ ነበርቲ ሓቢሮም።

ኣገልግሎት ማይ ኣብ’ቲ ከባቢ፡ ናይ ጸዓትን ምሕደራን ጸገም ከም ዝጸንሖ፡ ንምፍትሑ ብዝተወስደ ስጒምቲ ከኣ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እኹልን ጽሩይን ማይ ይረኽቡ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ብጀነሬተራት ክወሃብ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ቀጻልነት ከምዘይጸንሖ፡ ሕጂ ግና ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ምህላዉን ኣብ ምሕደራ መሰረታዊ ለውጢ ምምጽኡን ሓቢሮም።

ኣቦ-መንበር ኮሚተ ማይ ምምሕዳር ከባቢ ዓሊግድር፡ ኣቶ የማነ ወልዳይ፡ ነበርቲ ካብ ሩባ ጋሽ ኣስታት 4 ኪሎ-ሜተር ዓንድታት ኤለክትሪክ ብምትካል ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ገሊጹ።

Categories