ስሉጥነት ኣተኣኻኽባ ግብሪ ንምርግጋጽ፡ መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽእን መድረኽ ብመድረኽ ዝትግበርን ዕዮ ይሰላሰል ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፡ ኣቶ ዮውሃንስ ኢሳቕ፡ ብሰንኪ ጸገማት ስርዓተ-መርበብ ኣብ መስርሕ ምኽፋል ግብሪ ምድንጓያት ስለዘሎ፡ ነቲ ጸገም ንምእላይ ዕቱብ ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሕብረተሰብ ኣብ ምኽፋል ግብሪ ኣጥርዩዎ ንዘሎ ንቕሓት ዘሞገሰ ኣቶ ዮውሃንስ፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ዚ – ከፈልቲ ግብሪ ኣብ ክንዲ ኣብ መወዳእታ ዓመት ጥራይ፡ ኣብ ምሉእ ዓመት ተዘርጊሐን ኣብ ዝርከባ ኣዋርሕ ናይ ምኽፋል ተበግሶታት ምስ ዝወስዱ፡ ኣብ ኣሰራርሓ ምእካብ ግብሪ ሓጋዚ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ዝርጋሐ ትካላት ኣከብቲ ግብሪ ንምስፋሕ፡ ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ኣብያተጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ንምኽፋት፡ ናይ 5 ዓመት ውጥን ተሓንጺጹ ይስራሓሉ ምህላዉ እውን ኣነጺሩ።

ከፈልቲ ግብሪ ብወገኖም፡ መሰረታዊ ፍታሕ ክሳብ ዝመጽእ፡ ጻዕቂ ከፈልቲ ግብሪ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋናት ተደራቢ ዓቕሚ-ሰብ ክምደብ፡ ብሰንኪ ዘይስሉጥነት ኣሰራርሓ ብዘጋጥም ምድንጓያት – ከፋሊ ግብሪ ግዳይ መቕጻዕቲ ንኸይከውን፡ ውሕስነት ዝህብ ሰነድ ክህሉ ሓቲቶም።

Categories