ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምጽንባል ዝዓለመ ናይ ምርኢት ዑደት ንምክያድ፡ ኤርትራውያን ስነጥበበኛታት ትማሊ 14 ለካቲት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ናብ ኢትዮጵያ ገይሾም።

እዞም ኣስታት 60 ዝኾኑ ስነ-ጥበበኛታት፡ ኣባላት ሃገራዊ ጉጅለ ያታ ማለት ስብሪት፡ ከምኡ’ውን ገዳይምን መንእሰያትን ድምጻውያንን ሙዚቀኛታትን የጠቓልሉ።

ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ መደብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሑለን 10 መዓልታት፡ ከተማታት ባህርዳር፡ ኣዳማ፡ ሃዋሳን ኣዲስ-ኣበባን፡ ብያታዊ ኤርትራዊ ትልሂት ዝተሰነየ ሙዚቃዊ ምርኢት ከቕርቡ’ዮም።

ጠርናፊ ናይ’ቲ ጉጅለ ስነ-ጥበበኛታት ኣቶ ሚኪኤል ተፈሪ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዕላማ ነቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ንምጽንባልን ነቲ ርክባት ብባህላዊ መደባት ንምድራዕን ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ኣብ መጻኢ’ውን ተመሳሳሊ መደባት ተሰሪዑ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ስነ-ጥበበኛታት ብወገኖም፡ ባህላውን ዘመናውን ደርፍታትን ኤርትራዊ ያታዊ ትልሂታትን ንምንጽብራቕ እኹል ምድላዋት ገይሮም ከምዘለዉ ሓቢሮም።

Categories