ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ላክሰምበርግ ጂን ኣሰልቦርን፡ ሎሚ 14 ለካቲት ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡዎ።

እቲ ርክብ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ገስጋስ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያት ዞባታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕባሕርን ዘተኰረ’ዩ ነይሩ።

ሚኒስተር ዑስማን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን – ድሕሪ’ቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ግጭትን ተጻብኦን እዋን፡ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ከምዝኸተማ ብምጥቃስ፡ ኪኖ’ዚ – ኣብ መንጎ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቊጠባዊ ሽርክነት ንምዕዛዝ ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ መደብ ዓቢ ወፍሪ ዝሓትት ምዃኑ ዘነጸረ ሚኒስተር ዑስማን፡ ሃገራት ኤውሮጳ ደገፍ ክገብራ ትጽቢት ከምዝግበር፡ ቊጠባዊ ምትሕብባርን ሽርክነትን ኤርትራን ሃገራት ኤውሮጳን ብሓፈሻ ንምድንፋዕ ድማ ኣድላዪ ዘበለ ጻዕርታት ክካየድ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ሚኒስተር ጂን ብወገኑ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ትስፉው ምዕባለታት ንዝያዳ ዲፕሎማስያዊ ምዕባለ ድርኺት ዝፈጥር ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ ምሕያል ዝምድና ምስ ኤርትራ ቅሩብነት ሃገሩ ኣረጋጊጹ።

ሚኒስተር ጂን ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሃገሩ ነቲ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ትስፉው መድረኽ ምትሕግጋዝ ዘሰጋገረ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምእትድግፎ ብምግላጽ፡ ንማሕበረ-ቊጠባዊ ዕብየት ህዝብታት’ዚ ዞባ ኣብ ዝዓለመ መደባት ክትደጋገፍ ድልየት ከምዘለዋ ሓቢሩ።

Categories