ነበርቲ 21 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣብ 11 መጋባእያታት ዘገልግሉ ደያኑ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርድን ሽማግለታት ዕርቂን መሪጾም።

ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ኣቶ ኪሮስ ገብረማርያም ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ተራን ኣበርክቶን ሽማግለ ዕርቂ ኣብ ስሉጥነት መስርሕ ፍርዲን ምስፋን ስኒትን ዓቢ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዝተመርጹ ደያኑን ሽማግለ ዕርቂን – ተሰኪሞሞ ንዘለዉ ሓላፍነት ብግቡእ ኣብ ምትግባር ብዝለዓለ ክሰርሑ፡ ህዝቢ ድማ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብረሎም ተላብዩ።

ነበርቲ ብወገኖም፡ ኣብ ዳንነትን ሽምግልናን ብቕዓት ኣለዎም ዝበሉዎም ስለዝመረጹ፡ ብቕንዕና ክነጥፉ ዘለዎም ተስፋ ብምግላጽ፡ ኣብ ዘካይዱዎ ንጥፈታት ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ቅሩባት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

Categories