ኣብ ሆስፒታል ደቀምሓረ ዝወሃብ ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒን ስኒን ንምስፋሕ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ገሊጾም።

ሓኪም ስኒ – ዶክተር ኤፍረም ካሕሳይ፡ ኣብ’ቲ ሆስፒታል ዝርከብ ክፍሊ ሕክምና ስኒ ብመሳርሒታቱን ዓቕሚ-ሰቡን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምምሕያሽ የርኢ ከምዘሎ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ድማ ናይ መብጣሕቲ ከምኡ’ውን ብሓገዝ ድጂታል ኤክስረይ ንቈልዑ ስኒ ናይ ምምላእ ኣገልግሎት ከምዝህቡ ሓቢሩ። ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ከይተሓጽረ፡ ናብ ኣብያተ-ትምህርቲ እናኸድካ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይወሃብ ከምዘሎ እውን ኣረዲኡ።

ሓኪም ዓይኒ ልዋም ተስፋልደት እውን፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ገኒኖም ዝረኣዩ ሕማማት ዓይኒ፡ ቁጥዐ ዓይኒን ሓበላ ዓይኒን ምዃኖም፡ ናብ ዝተፈላለያ ዓድታት ብምንቅስቓስ ሕክምናዊ ረድኤት ከምዝግበር፡ ብፍላይ ትራኮማ ድማ፡ ብዞባን ንኡስ ዞባን ብዝተገብረ ናይ ምዕዳል መድሃኒትን ጐስጓሳትን፡ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ከምዝወረደ ገሊጻ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቐዲሙ፡ ብምትሕብባር ሃገራዊ መደብ ምክልኻል ዑረትን ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብን፡ ሓፈሻዊ ወፍሪ ምልላይ ሓበላ ዓይኒ ይካየድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እቲ ወፍሪ፡ ካብ ሆስፒታል ዓዲቐይሕ ብዝመጸ ጉጅለ ክኢላታት ይካየድ ከምዘሎ ዝሓበረ – ኣቶ ኣኽሊሉ ዛይድ፡ ዕላማኡ ሓበላ ዓይኒ ዘለዎም ሰባት ኣለሊኻ – ኣብ ሆስፒታል ዓዲ-ቐይሕ ዘድሊ ሕክምናዊ ረድኤት ንኽግበረሎም ምዃኑ ገሊጹ።

Categories