ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡስ ዞባ ከርከበት፡ ማሕበራዊ፡ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሃስያ ጐዳእቲ ልምድታት ኣብ ሕብረተ-ሰብ ንምውጋድ፡ ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ምብራኽ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ሓላፊ ጐስጓስን ሓበሬታን ኣቶ ስልጣን ሓጐስ፡ ከም መርዓ ትሕቲ ዕድመ፡ መትኰሳን ክሽቦን ዝኣመሰለ ክሳብ ናብ ስንክልናን ሞትን ዘብጽሕ ሃሳዪ ልምድታት፡ ንምውጋዱ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ሕብረተሰብ ንቕሓቱ ኣበሪኹ እጃሙ ከበርክት ኣዘኻኺሩ።

ክወሃብ ዝጸንሐ ኣስተምህሮታት ዘተባብዕ ገስጋስ ከምዘርኣየ፡ ዛጊት ምሉእ ብምሉእ ክውገድ ስለዘይከኣለ ግዳ፡ ሕብረተ-ሰብ ነቲ ብገለ ዓድታት ዝተወስደ ተበግሶ ክስዕቦ ተላብዩ።

ሓላፊ ማእከል ጥዕና ንኡስ ዞባ ከርከበት ነርስ ተስፋዝጊ ዮውሃንስ እውን፡ እቲ ዕማም ንሰብ ሞያ ጥዕና ጥራይ ዝግደፍ ስለዘይኮነ፡ ምምሕዳራትን ካልኦት ኣካላት መንግስትን ብዝሓየለ ክሰርሑሉ ኣዘኻኺሩ።

Categories