ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ኣብ ዞባ ማእከል – ን20 ደቂ-ኣንስትዮ ኣባላቱ ብመልክዕ ዘዋሪ ልቓሕ ብጥሪት ናይ ምጥያስ መደብ ኣበጊሱ።

እቲ ነተን ደቂ-ኣንስትዮ ንመግዝኢ ጥሪት ብ7 ለካቲት ዝተዓደለ ገንዘብ፡ ብግዱሳት ኣባላት ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል ካብ ዝተበርከተ 19,650 ዶላር ኮይኑ፡ ንነፍሲ-ወከፈን ካብ 8 ክሳብ 10 ኣጣል ከግዝእ ዝኽእል 12 ሽሕን 500 ናቕፋ እዩ ተዋሂቡወን።

እቲ ፕሮጀክት፡ ኣካልን መቐጸልታን ናይ’ቲ ኩነታት መነባብሮ ሓርበኛታት ስንኩላን ብሓፈሻ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ንምምሕያሽ ክትግበር ዝጸንሐ መደባት ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቦ-መንበር ማሕበር፡ መምህር ገብረብርሃን ኢያሱ፡ ብኣታዊታተን ዝነባበራ ስድራ-ቤታት ንምትብባዕን ንምፍጣርን ዝዓለመ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ሓላፊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዞባ ማእከል፡ ኣቶ ተስፋሚካኤል ሃይለ ብወገኑ፡ እዚ ሎሚ ብዞባ ማእከል ተጀሚሩ ዘሎ ፕሮጀክት፡ ውጽኢቱ ተራእዩ ኣብተን ካልኦት ዞባታት ክቕጽል ምዃኑ ብምሕባር፡ ተጠቀምቲ ኰይነን ዘለዋ ኣባላት ማሕበር፡ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ተላብዩ።

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ ኣብ ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ዓንሰባን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ብሰረገላ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ብምርባሕ ጥሪት፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብሕርሻ – ናይ ምጥያስ መደባት ከሰላስል ምጽንሑ፡ ወለድ ዘይብሉ ናይ ልቓሕ ዕድላት ብምኽፋት እውን ኣባላቱ ከምዝሓገዘ ሰነዳቱ ይሕብሩ።

Categories