ኣብ ደግራ-መሬቶ – ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ብምውህሃድ ህዝብን መንግስትን ብ2.5 ሚልዮን ናቕፋ ዝተሃንጸ ፕሮጀክት ጽሩይ ዝስተ ማይ ተመሪቑ።

እቲ ፕሮጀክት፡ ካብ ምንጪ ማይ ናብ ማእከል ዓዲ ዝኣቱ 2 ኪሎ-ሜተር ሻምብቆታት፡ መኸዘኒ ማይ ባስካ፡ 10 ኪሎ-ዋት ዘመንጩ ጸሓያዊ ጸዓት፡ ከምኡ’ውን 2 መዐደሊ ነቑጣታት የጠቓልል።

ኣመሓዳሪ ናይቲ ምምሕዳር ከባቢ ቀሺ ርእሶም ገብረዋህድ፡ ንኣጠቓቕማኡን ምሕደራኡን ብዝምልከት፡ ብክኢላታት ክፍሊ ሃብቲ ማይ ዝተዳለወ ስልጠና ንኮሚተ ማይ ዓዲ ከምእተዋህበ ብምሕባር፡ ጨንፈር ሃብቲ ማይ ዞባ ደቡብ ኣብ ምቅልጣፍ ናይ’ቲ ፕሮጀክት ንዘካየዶ ጻዕሪ ኣመስጊኑ።

ተቐማጦ ደግራ መሬቶ፡ ሕጽረት ዝስተ ማይ ሓደ ካብ ቀንዲ ብድሆታቶም ኮይኑ ምጽንሑ ብምዝካር፡ ምስራሕ ናይዚ ሓድሽ ፕሮጀክት፡ ኣብ ናብራኦም ዓቢ መስተርሆ ከምዝፈጥረሎም ሓቢሮም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ኣቶ ምሕረትኣብ ተኽለብርሃን ድማ፡ ተሃኒጹ ዘሎ ፕሮጀክት ማይ፡ ኪኖ ምስርሑ ኣጠቓቕማኡ ዓቢ ኣተኵሮ ከምዝሓትት ብምጥቃስ፡ ነበርቲ ግቡእ ኣተሓሕዛ ክገበሩሉ ኣዘኻኺሩ።

Categories