ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 8 የካቲት ንኮሚሽነር ምትሕብባርን ልምዓትን ኤውሮጳዊ ሕብረት – ሚስተር ነቨን ሚሚካ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ትሕዝቶ ርክብ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚስተር ነቨን ሚሚካን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዘሎ ምትሕግጋዝ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ መቓን ዞባ ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ሓድሽ ሃዋሁውን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ናይ ሰላም ስምምዕን ዘተኮረ ነይሩ።

ምስ’ዚ ኣብ ዝተኣሳሰር፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንጽገናን ምስፋሕን ጽርግያታት ዝውዕል፡ ከም ቀዳማይ ክፋል 20 ሚልዮን ኤውሮ ከምዝሰልዐ፡ እዚ ድማ ዞባዊ መራኸቢታትን ንግዲን ንምዕዛዝ ሓጋዚ ምዃኑ ሚስተር ነቨን ሓቢሩ።

Categories