መደባት ጽምብል መበል 29 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ “ፈንቅል፡ ትእምርቲ ረዚን ታሪኽ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ትማሊ 8 ለካቲት ብጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ ብወግዒ ተኸፊቱ።

ኣብ’ዚ ክሳብ 10 ለካቲት ዝካየድ ጽምብል፡ ኮማዊ ዳሳት፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ባህላዊ መደባትን ካልእ መሰናድኦታትን ይቐርብ ከምዘሎ፡ ነጋድያን’ውን ብብዝሒ ይኣትዉ ከምዘለዉ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ’ቲ ዕለት፡ ዓመታዊ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ናይ ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ተኻዪዱ።

ኣብ መወዳእታ፡ ዕዉታት ኣትለታትን ጋንታታትን፡ ካብ ኢድ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድስዒድ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን ካልኦት ሓለፍትን ሽልማት ተቐቢሎም።

Categories