ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምጽምባል፡ ጉጅለ ያታ ስብሪትን ገዳይምን መንእሰያትን ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት ዝሓቘፈት ጉጅለን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምርኢት ዑደት ከካይዳ እየን።

ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ መደብ፡ እተን ጉጅለታት ብ16 ለካቲት ኣብ ባህርዳር፡ 17 ለካቲት ኣብ ኣዳማ፡ 19 ለካቲት ኣብ ሃዋሳ፡ 21 ለካቲት ድማ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ብያታዊ ኤርትራዊ ትልሂት ዝተሰነየ ሙዚቃዊ ምርኢት ከቕርባ እየን።

ኣብ’ቲ ዓቢ ናይ ሙዚቃ መደብ፡ ፍሉጣት ኢትዮጵያውያን ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ክሳተፉ ምዃኖም እውን ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories