ማሕበር ኣብያተ-መጻሕፍትን ሓበሬታን ኤርትራ፡ ካብ ዝተፈላለያ መንግስታውያን ትካላት ንዝተዋጽኡ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ዓውደ-ፍልጠት ቤት-ንባብ፡ መዛግብን ስነዳን ዘተኰረ ስልጠና ወዲቡ።

እቶም ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ኣስመራ ዝተዋህበ ስልጠና ዝተሳተፉ ትሽዓተ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 15 ሰራሕተኛታት፡ ካብ ሚኒስትሪታት ሕርሻ፡ ቱሪዝምን ትምህርቲን፡ ከምኡ’ውን ካብ ሃማደአ፡ ሃኮሰአን ካልኦትን ዝተዋጽኡ እዮም።

ብ2 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምዝዛም ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም፡ ኣብ መዳይ ሓበሬታ ብግቡእ ክትዋሳእ ዘይምኽኣል ካብ ገስጋስ ምዕባለ ምትራፍ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ’ዚ ዓውዲ’ዚ ስልጠና ምውዳብ ኣገዳሲን እዋናውን ከምዝኾነ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ማሕበር ኣቶ ክፍሎም ሚካኤል ብወገኑ፡ ኣብ’ዚ ዓለምና ብሓበሬታ ኣዕለቕሊቓትሉ ዘላ መዋእል፡ ካብ ብኩል ሓበሬታታት ንምግልጋል፡ ብዲጂታላዊ ስርዓተ ምሕደራ ሓበሬታ ዝሰልጠኑ፡ ብስነምግባር ምዝርጋሕን ምዕቃብን ሓበሬታ ዝተመልመሉን ሚዛኑ ዝሓለወ ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ እጃሞም ዘበርክቱን ዜጋታት ብመጠንን ብዓቕምን ምምዕባል፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዕላማ ናይቲ ስልጠና ኣብዚ መቓን’ዚ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ማሕበር ኣብያተ-መጻሕፍትን ሓበሬታን ኤርትራ፡ ብዝተወደበ መልክዕ ንሰራሕተኛታት ከሰልጥን እዚ ናይ ፈለማ እዋን እዩ።

Categories