ሃገራዊ ማሕበር መሃንድሳት ስነቀመም፡ ‘‘ተራ ቀመማዊ ምህንድስና ኣብ ዳግመ-ህንጸት ሃገር’’ ኣብ ዝብል ዛዕባ – ብ2 ለካቲት ኣብ ኣስመራ ዓውደ-ዘተ ኣቃኒዑ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ ኣብርሃም የውሃንስ፡ ኣብ ዓለም ምስ ገስጋስ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ፡ ዓውዲ መሃንድስነት ስነ-ቀመም ሕልፊ ካልእ እዋን ኣድላይን ኣገዳስን ኮይኑ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ሃገርና እውን እቶም ብቑጽርን ብቕዓትን ዝጥቀሱ ምሩቓት መሃንድሳት ስነ-ቀመም፡ ኣብ ምምላእ ጠለባት ትካላት ተራኦም ይጻወቱ ከምዘለዉ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ትካላት፡ ሞያውያን ቀመማዊ ምህንድስናን ካልኦትን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ መሰረታዊ ኣምራት መሃንድስነት ስነ-ቀመም፡ ናይ ስራሕ ተመኵሮ ኣብዚ ዓውዲ፡ መስርሕ ምክያድ መጽናዕትን ክማልኡ ዝግብኦም ረቛሒታትን፡ ከምኡ’ውን ካብ ጉልዒ ብዛዕባ ዝተሰርሐ ነዳዲ ዝተዳለወ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ስራሕ ተመኵሮ ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ኣካያዲ ስራሕ ትካል ዕደና ኣስመራ – ሚስተር ኤድዋርድ ሞንሰይ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝርከባ ናይ ዕደና ቦታታት፡ ንውሕስነት ኣከባቢ ኣብ ግምት ዘእተወ ሓላፍነታዊ ስራሕ ምዕዛቡ ብምሕባር፡ ማሕበር ዝተፈላለየ መደባት እናሰርዐ – ዓቕሚን ተመኵሮን ኣባላቱ ከበርኽ ኣዘኻኺሩ።

Categories