ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ምምሕዳራት ከባቢ ድቢን እምባ-ባርያን ዝጥርነፋ ትሽዓተ ዓድታት፡ ኮም ዝመርሖ መደባት ከባብያዊ ጽሬት ኣሰላሲለን።

ውጽኢት ስራሕ ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኮም ዝሰረቱ ከባብያዊ ጽሬት – ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብዛዕባ ዘለዎ ተራ ጽዑቕ ጐስጓሳት ብምክያዱ፡ ውጽኢታዊ ስራሕ ከም እተዓመ ተገሊጹ።

ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ሃይለ መንገሻ፡ ንጹህ ከባቢ መሰረት ጥዑይ ሕብረተ-ሰብ ምዃኑ ብምሕባር፡ ምምሕዳራት ከባቢ ድቢን እምባ-ባርያን ዝወሰዳኦ ተበግሶ፡ ካልኦት ከባቢታት ክስዕባኦ ተላብዩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ዛጊት 19 ዓድታት ኮም ዝመርሖ ከባብያዊ ጽሬት ኣተኣታትየን ምህላወን፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይ’ዚ ዓመት ድማ – ኣብ 26 ዓድታት ንምትእትታዉ ጻዕሪታት ይካየድ ከምዘሎ፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories