ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ብሰንኪ ዘይፍትሓውን ዘይማዕርነታውን ውሳኔ መግዛእታዊ ስርዓታት፡ ኣብ መንጎ ገደለን ጓቛትን ን82 ዓመታት ሰፊኑ ዝጸንሐ ናይ መሬት ክርክር፡ ክልቲአን ዓድታት ብዝገበራኦ ሽምግልና – ብዕርቂ ተፈቲሑ።

ብ31 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ናይ ዕርቂ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም ገብረክርስቶስ፡ እቲ ጉዳይ ብዝተፈላለዩ ገዛእቲ ስርዓታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ውሳኔታት ይወሃቦ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ምስሕሓብ መሰረታዊ መዕለቢ ከይረኸበ ክሳብ ሕጂ ከምዝቐጸለ፡ ኣብ ሰነዳት ተመርኲሱ ሰፊሕ ሓበሬታ ሂቡ።

“እዚ ኣብ 1937 ዝጀመረ ናይ መሬት ምስሕሓብ፡ ንነበርቲ ናይ’ዚ ከባቢ ድቃስ ከሊኡ ዝጸንሐ እዩ” ዝበለ ኣቶ ኤፍሬም፡ እቲ ጉዳይ ክፍታሕን ህዝቢ ክልቲኡ ዓድታት ብሰላምን ቅሳነትን ክነብርን፡ ብምሉእ ሕልና ንዝሰርሐት ሽማግለ ዕርቂን ተሓጋገዝታን ኣመስጊኑ። ወከልቲ ክልቲአን ዓድታት ነቲ ብሽማግለ ዕርቂ ዝቐረበ ፍታሕ ተቐቢሎም ክታሞም ከምዘንበሩሉ፡ እቲ ውሳኔን ካርታን ድማ ንኽልቲአን ዓድታት ከምእተዋህበ እውን ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ኣቶ የማነ ኣበራ ብወገኑ፡ ክልቲአን ዓድታት ነዚ ሰላም ዘውርድ ዕርቂ ብምብቃዐን ‘ዮሃናኡ’ ገሊጹ።

ዓድታት ገደለን ጓቛትን፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ – ኣስታት 20 ኪሎ-ሜተር ርሒቐን ይርከባ።

Categories