ኣቲናዮ ዘሎና መድረኽ፡ ንህንጸትን ብልጽግናን ሃገር ዓጸፋ ክንሰርሕ እንሕተተሉን፡ ውጽኢት ስራሕናን ጻዕሪናን እንረኽበሉ ጉዕዞ እንፍልመሉን ምዃኑ፡ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደንኪኤል ኣብርሃ ኣገንዚቡ።

ሚኒስተር ወልደንኪኤል ነዚ ዝገለጸ፡ ከም መቐጸልታን መዛዘምን ናይ’ቲ ካብ 18 ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ኩለን ዞባታት ንወከልቲ ህዝብን ሓለፍቲ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ከካይዶ ዝቐነየ ኣኼባ፡ ብ1 ለካቲት ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር እዩ።

መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ምምሕያሽን ምዕባለ ሃገር ኣብ ምርግጋጽን ዓቢ ተራ ዘለዎም ዓበይቲ ፕሮጀክታት ልምዓት – ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር ክትግበሩ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ፡ ብሰንኪ ተጻብኦታት ተወንዚፎም ዝነበሩ መደባት ልምዓት ከም ብሓድሽ ከምዝበጋገሱ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ረብሓታት ዘለዎም ዓበይቲ ፕሮጀክታት ንምትግባር ዘድሊ መጽናዕቲ ኣብ ምጽፋፍ ከምዝርከብ ብምሕባር ድማ፡ ህዝቢ ዝያዳ ካልእ እዋን ንምዕዋቶም ክሰርሕ ኣዘኻኺሩ።

ሱታፌ ህዝቢ ዘረጋገጸን ናይ ምቁጽጻርን ምሕደራን ብቕዓት ዘውሓሰን ትካላት ከይሃነጽካ መደባት ምስራዕ ንበይኑ፡ እኹል ከምዘይኮነ ጸቒጡ ዝተዛረበ ሚኒስተር ወልደንኪኤል፡ ሓለፍቲ ትካላት – ካብ ኮለጃትን ሞያዊ መሰልጠኒ ማእከላትን ተመሪቖም ንዝምደቡ መንእሰያት ግቡእ ማእዝን ኣብ ምትሓዝን ኣብነታዊ ኣመራሪሓ ኣብ ምስትምሃርን ግቡእ ተራኦም ከበርክቱ ጸዊዑ።

Categories