ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ደቡብ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ዜጋታት ንምቅላል፡ ልዕሊ 21 ሚልዮን ናቕፋ ዝትመን ገንዘባውን ንዋታውን ደገፍ ከምዝገበረ፡ ብ31 ጥሪ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ገምጋም ገሊጹ።

እቲ ደገፍ፡ ብደረጃ መንግስትን ኮምን ዝተገብረ ምዃኑ ዝሓበረ ጸብጻብ፡ ንጽጉማት ወገናት ብሓፈሻ፡ ንስድራ ስዉኣት፡ ዘኽታማትን ስንኩላንን ድማ ብፍላይ ቀዳምነት ዝሃበ ምንባሩ ኣረዲኡ።

ብመሰረት’ቲ ጸብጻብ፡ ኣብ 12 ንኡሳን ዞባታት ዝርከቡ ጽጉማት ስድራ-ቤታት ብጥሪት ክጣየሱ እንከለዉ፡ ንተመሃሮ ንመግዝኢ ድቪዛን ክፍሊትን ዝሽፍን ሓገዝ ከምእተገብረ፡ 550 ስድራ ስዉኣትን ዘኽታማትን ድማ ሰረገላታት ከምእተዓደሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ሃይለ ገብረሚካኤል፡ ማሕበራዊ ሽግራት ህዝቢ ንምፍታሕ ዝትግበሩ መደባት፡ ሓያልን ድኹምን ጐድንታቶም ኣለሊኻ ንምሕያሎም ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ተጊሁ ክሰርሕ ብምዝኽኻር፡ ኩለን ኣካላት መንግስቲ ኣብ ምግታእ ጐዳእቲ ልምድታትን ምድጋፍ ንጽጉማትን ንዝገብሩዎ ጐስጓሳትን ሓገዛትን ኣመስጊኑ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምምሕዳር ዞባ ደቡብ መምህር ቃልኣብ ተስፋስላሴ ድማ፡ ጸገማት ዜጋታት ንምቅላል ብተሳትፎ ኮምን ምምሕዳራትን ክውሰዱ ዝጸንሑ ተበግሶታት፡ ብሰፊሑ ክድፍኣሎም ጸዊዑ።

Categories