ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳራት ኣቶ ወልደንኪኤል ኣብርሃ፡ ብ18 ጥሪ ንወከልቲ ህዝብን ኣካላት መንግስትን ዞባ ደቡብ፡ ኣብ መደባት ማሕበራዊ ፍትሒን ናይ መጻኢ ውጥን ስራሕን ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ መንግስቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስን ዘላቕነቱ ንምርግጋጽን በብጽላቱን ከከም ቀዳምነታቱን ሰሪዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ዝተሓንጸጸ መደባት ልምዓት ብኣድማዕነት ንኽትግበር፡ ህዝብን ኣካላት መንግስትን ውዳበታቶም ኣሐይሎም ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ።

ብመንግስቲ ዝሰላሰሉ ዘለዉ ዓበይቲ ሕርሻዊ ንጥፈታት፡ ሰፊሕ ናይ ስራሕን ኣፍራይነትን ዕድል ዝፈጥሩ ምዃኖም፡ እቶም ብሰንኪ ጽበት ወይ ዓባር መሬት ነብሶምን ስድራኦምን ክጥውሩ ዘይክኣሉ ድማ፡ ሰሪሖም እቶት ክረኽቡሉ ናብ ዝኽእሉ ዘተኣማምን ቦታታት ወፊሮም – ሽግሮም ንክፈትሑ ክስራሓሉ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ወልደንኪኤል ኣረዲኡ።

ኣብ ምሕደራን ምምሕዳርን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክርክራት መሬትን ካልእን ዘሎ ሃጓፋትን ድኻማትን ዘልዓለ ሚኒስተር ወልደንኪኤል፡ ብሕልፊ ኣብ ታሪፍ መጐዓዝያን ክራይ ኣባይትን – ስስዐ ዝመንቀሊኡ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይወርድ ስለዘሎ፡ ምምሕዳርን ካልኦት ተግበርቲ ኣካላትን ነዚ ኣብ መስመሩ ንምምላስ ብዕቱብ ክሰርሑ ተላብዩ።

ጉዳይ ህንጻ ብዝምልከት፡ ኣብ ገጠራትን ሓውሲ ከተማታትን ፍቓድ ህንጻ ብዝጸደቐ ‘ፕላን’ ተጀሚሩ ከምዘሎ፡ ኣብ ከተማታት ድማ ምስ መሰረታዊ ቀረባት ህንጻ ተኣሳሲሩ ንኽፍታሕ ይስራሓሉ ምህላዉ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ሕቶ ጤሳ ምስ ከተማታት ናይ ዝተሓወሳ ዓድታት ክምለስ፡ ምጥርናፍ ቁሸታትን ዓድታትን ኣብ ዝተጸንዐ ቦታ ብዕቱብ ክስራሓሉ፡ ዋሕዲ ቀረብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብሓፈሻ፡ ናይ ትካላት ጥዕና ድማ ብፍላይ ዘለወን ንኡሳን ዞባታት ክፍተሓለን ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣብ ዝቕጽል ቅንያት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ተመሳሳሊ ሰሚናራት ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories