ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ተከለዛን ዝተሰላሰለ ልምዓታዊ መደባት፡ ዝበረኸ ውጽኢትን ዝተመሓየሸ መነባብሮን ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት – ድልዱል መሰረት ብምዃኑ፡ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ ኣዘኻኺሩ።

ብ18 ጥሪ ምስ ነበርቲ ኣብ ዘካየዶ ርክብ – ኣቶ ዓሊ፡ ንህሉው ኩነታት ዞባ ዓንሰባ ብሓፈሻ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝተኻየዱ፡ ኣብ መስርሕ ዘለዉን ኣብ ንመጻኢ ዝተወጠኑን መደባት መኸተን ልምዓትን ዘብርህ መግለጺ ሂቡ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ምጽራግ 45 ኪሎ-ሜተር ጽርግያ ዓዲ-ተከለዛን – ደቂ-ገብሩ – ዋራ፡ ምጽጋን መገብቲ ጽርግያታት፡ ምስራሕ ዛላታትን ከትርታትን፡ ኣብ 2018 ካብ ዝተተግበሩ ሓያሎ መደባት ምዃኖም ዝጠቐሰ ኣቶ ዓሊ፡ ሕጂ እውን ውህደት ኮምን ኩሎም ኣካላት መንግስትን ክዓዝዝ ኣተሓሳሲቡ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ዘቕርቡዎ ሕቶታትን ርእቶታትን ብኣጋ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ክበጽሕ፡ ተጀሚሩ ዘሎ ፕሮጀክት ማይ ክቀላጠፍን ጸገም ዝስተ ጽሩይ ማይ ዘለወን ዓድታት ክፍተሓለንን፡ ውጥን ሓውሲ ከተማ ዓዲ-ተከለዛን ግቡእ ጠመተ ክግበረሉ፡ ጉዳይ ዕደላ መሬት ጤሳ ክፍታሕ ተላብዮም።

Categories