ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ፡ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ መደበራት ፖሊስ ምስ ዝነጥፉ ልዕሊ 150 ኣዘዝቲ፡ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ምክልኻል ገበንን መርመራን ዘትዩ።

ብ18 ጥሪ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ – ኮሎኔል መሓሪ፡ ኣብ ምክልኻል ገበንን ሓደጋን፡ ምቅላዕ ከበድትን ፈኰስትን ገበናትን ምንካይ ሓደጋታትን ዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ከምኡ’ውን ዝምድና ህዝብን ፖሊስን ንምድልዳል ዝተሰላሰለ ዕማምን ሓቢርካ ካብ ምስራሕ ዝተረኽበ ውጽኢትን ብሰፊሑ ኣብሪሁ።

“መደበር ፖሊስ፡ ዘየቋርጽ ምምሕዳራዊ ስራሕ ኣለዎ” ዝበለ ኮሎኔል መሓሪ፡ ኣብኡ ዝርአ ምስሊ፡ ብልጫን ድኻምን ፖሊስ ዝገልጽ ስለዝኾነ፡ ሞያውን ምቕሉልን ኣቀባብላ ከዘውትሩ ድሕሪ ምዝኽኻር፡ ስለ’ቲ ዘሰላሰሉዎ ዕዉት ስራሕ ኣመስጊኑ።

ኣብ 2019፡ ብፍላይ ኣብ’ቶም ከም ሕብረተሰብ ክንጻወሮም ዘይብልና ገበናት – ምጥፍፋእ፡ ጉቦ፡ ምትምያን፡ እምነት ምጉዳል፡ ምትላል፡ ስርቂ፡ ከትሪ፡ ዓመጽ፡ ቅትለት፡ ዘይሕጋዊ ንግዲ፡ ሓደጋታት ትራፊክን ዘይትራፊካዊ ሓደጋታትን ብምትኳር፡ ንምክልኻሎምን ንምቅላዖምን ሰፊሕ ህዝባዊ ተሳትፎ ዝረጋገጸሉ ንጥፈታት ክካየድ ምዃኑ ኣረዲኡ።

Categories