ማእከላይ ባይቶ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃኮሰአ)፡ ብ18ን 19ን ጥሪ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ምዱብ ኣኼባኡ – 5 ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ መሪጹ። ናይ 2019 መደብ ስራሕ እውን ሓንጺጹ።

ዋና ጸሓፊ ሃኮሰኤ ኣቶ ተኸስተ ባይረ፡ ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ናይ ዝተሰላሰሉ ንጥፈታት ኮንፈደረሽን ጸብጻብ ኣብ ዘቕረበሉ፡ ብቐንዱ ኣብ ምምካት ግዳማዊ ተጻብኦታት ዘተኰረ ዕማማት ከሰላስል ምጽንሑ ብምጥቃስ፡ ተኣትዩ ምስ ዘሎ ሓድሽ መዋእል፡ ዓቕምታት ብምሕያልን ውዳበ ብምውርጻጽን፡ ንዝመጽእ መድረኽ ዝብድህ ብቕዓት ምህናጽ እዋናዊ ጉዳይ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ነፍሲ-ወከፍ ሰራሕተኛ ሞያዊ ብቕዓቱ ዓብዩ – ዝያዳ ኣፍራዪ፡ መሃዚን ጻዕራምን ንክኸውን መደባት ስልጠናታት ምስፋሕ፡ ከምኡ’ውን ምስ ኣስራሕቲ ብምውህሃድ ንሞያዊ ዕብየት ሰራሕተኛታት ዝሕግዙ መደባት ኣብ ቦታ ስራሕ ምትግባር፡ ቀዳምነት ካብ ዝወሃቦም መደባት ምዃኖም ድማ ኣብሪሁ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ጸብጻብ ክፍልታት – ውዳበ ሰራሕተኛታት፡ ዝምድናታት ዕዮ፡ ምምሕዳርን ፋይናንስን፡ ሰራሕተኛታት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ስልጠናን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን፡ ከምኡ’ውን ዝምድናታት ወጻኢ ቀሪቦም ዘተ ተኻዪዱሎም።

ብዘይካ’ዚ፡ ‘ሓድሽ መዋእል ስራሕ’ ኣብ ጉዳይ ዕዮን ዓያይነትን፡ መጻኢ ስራሕን ተራ ሞያዊያን ማሕበራትን፡ ኣገዳስነት ዓይኒ-ምድሪ ኣብ ቦታ ስራሕ ብዝብሉ ኣርእስታት ዝተዳለወ ኣስተምህሮታት ንተሳተፍቲ ተዋሂቡ።

Categories