መደባት ድሕነት ኣደን ህጻንን ከምኡ’ውን ኮም ዝመርሖ ከባቢያዊ ጽሬት፡ ኣብ ምርግጋጽ ጥዕና ሕብረተሰብን ምብራኽ ኣፍራይነትን ዘለዎም ተራ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ክትግበሩ – ባይቶ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ መበል 17 ምዱብ ኣኼባኡ ጸዊዑ።

“ዘላቒ ሰላም ንድርብ ልምዓታዊ ገስጋስ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብ15 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ምዱብ ኣኼባ፡ ኣቦመንበር ባይቶ ኣቶ ዑስማን መሓመድዓሊ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባታት፡ ድሕነት ኣደን ህጻንን ንምውሓስ ኣብ ኩለን ማእከላት ጥዕና መጸበዪ ነፍሰጾራት ክህነጽን ተጠቃምነት ዓይኒምድሪ ኣብ ኩለን ምምሕዳር ከባቢታት ክተኣታቶን ዝብሉ ውሳነታት ኣሕሊፉ’ኳ እንተነበረ፡ ትግባረኦም ግን ከምቲ ዝድለ ከምዘይሰጐመ ብምሕባር፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ክሳለጡ ምእንቲ፡ ኣባላት ባይቶ፡ ምምሕዳር ዞባን ካልኦት ኣካላት መንግስትን ብተወፋይነት ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ ዑስማን፡ ኣብ መስርሕ ምድልዳል መሬት ዝረኣዩ ሃጓፋት ክምልኡ፡ ምውዳድ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ክድፋኣሉ፡ ግብሪ ጥሪትን ገጠራዊ ሕርሻን ብግቡእ ክእከብ፡ ትሑት ተሳትፎ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምብራኽን ወለንታዊ ልግሲ ደም ንምድንፋዕን፡ ተወሳኺ ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ኣባላት ባይቶ ዝህቡዎ እዋናውን ዝተጸንዐን ሓበሬታ፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዝረኣዩ ጉድለታት ኣቕርቦትን ዘይምዕሩይነትን ንምፍዋስ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ልዑል ኣስተዋጽኦ ስለዘለዎ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ብምዝኽኻር፡ ባይቶ ዞባ ዘሕለፎም ውሳነታትን ለበዋታትን ንምትግባር ብዝሓየለ ኣወዳድባ ክስራሕ ኣተሓሳሲቡ።

ባይቶ ኣብ መወዳእታ፡ ተጠቃምነት ዓይኒ-ምድሪ ኣብ ዓድታት ክሳብ 2020 ክጻፈፍ፡ ኣብ ኩለን ትካላት ጥዕና መጸበዪ ነፍሰ-ጾራት ክህነጽ ዝብሉ ውሳነታትን፣ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ-መዳያት ክሕይል፡ ኮም ዝሰረቱ ስፖርታዊ ንጥፈታት ክድፋኣሉን ትሑት ተሳታፍነት ተመሃሮ ንምፍዋስ ዋዕላታት ክካየድን ዝብሉ ለበዋታትን ኣሕሊፉ።

Categories