ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ፡ ኣብ 2018 – ንቕሓት መንእሰያት ኣብ ምብራኽን መንእሰያት ሞያ ዓጢቖም ነብሶም ዝኽእሉሉ ባይታ ኣብ ምፍጣርን ንዝተሰላሰለ ስርሓትን፡ ዝተራእየ ድኽመታትን ብምግምጋም፡ ናይ 2019 ውጥን ስራሕ ሓንጺጹ።

ብ14ን 15ን ጥሪ ኣብ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ – እምባትካላ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓለፍቲ ክፍልታትን ጨናፍር ዞባታትን ማሕበር ኣብ ዘቕረቡዎ ጸብጻባት፡ ኣብ ውዳበ፡ ምብራኽ ንቕሓት፡ ምሕያል ዓቕሚታት መንእሰያት፡ ምዕጣቕ ማእከላት መንእሰያት፡ ምዕዛዝ ኣበርክቶ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ መደባት፡ ከምኡ’ውን ጽልዋን ሽርኽነትን ማሕበር ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ኣብ ምዕባይ ንዝተዓመ መደባት ብእወታ ብምግምጋም፡ ኣብ 2019 ብዝሓየለ ኣብ ዝቕጽለሉ መዳያት ተዘትዩ።

ማሕበር፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ኩሉ መደባት ምስ’ቲ ተኣትዩ ዘሎ ትስፉው መዋእል ክቃነ ድሕሪ ምውሳን፡ ንቕሓትን ተሳታፍነትን መንእሰያት ንምዕባይ ክካየዱ ዝጸንሑ መደባት ብዝሓየለ ክቕጽሉ፡ ሞያዊ ስልጠናታት ዝቐሰሙ መንእሰያት ናብ ዋኒን ዝሰጋገሩሉ ኣገባባት ክተኣታቶ፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲን ኮለጃትን ዝወሃብ መነቓቕሒ ኣስተምህሮታትን ጐስጓሳትን ክሕይል ዝብልን ካልእን መደባት ስራሕ ሓንጺጹ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ተተግቢሩ ዘሎ ዕማማት፡ ሳላ ንጡፍ ተሳትፎ ስድራቤታት፡ ኮም፡ ኣካላት መንግስትን ግንባርን፡ ብዓቢኡ ድማ ንጡፍ ተሳትፎ መንእሰያት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዓመተ-2019፡ ናብ ርሁው መጻኢ ዘሰጋግር ድንድል እተርግጸና ዓመት ስለዝኾነት፡ ኣብ ምሕያል ብቕዓት ዝያዳ ኣተኵሮ ክግበር ምዃኑ ሓቢሩ።

Categories