“ሓድሽ ምዕራፍ ንዝበረኸ ልምዓት” ብዝብል ቴማ ብ11 ጥሪ ዝተኸፍተ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ኣውስትራልያ፡ ብ13 ጥሪ ብልዑል ማዕርግ ተዛዚሙ።

እዚ ንመበል 19 ግዜኡ ዝተኻየደ ፈስቲቫል፡ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ንዝርከቡ ዜጋታት ዘሳትፍ ባህላውን ስፖርታውን መደባት፡ ኣዘናጋዒ መሰናድኦታት፡ ከምኡ’ውን ድሙቕ ህዝባዊ ጓይላ ዘጠቓለለ ነይሩ።

እዚ ንመበል 19 ግዜኡ ዝተኻየደ ፈስቲቫል፡ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ንዝርከቡ ዜጋታት ዘሳትፍ ባህላውን ስፖርታውን መደባት፡ ኣዘናጋዒ መሰናድኦታት፡ ከምኡ’ውን ድሙቕ ህዝባዊ ጓይላ ዘጠቓለለ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝተወደቡ ስፖርታዊ ውድድራት ጸብለልታ ዘርኣዩ፡ ሽልማቶም ካብ ጠቕላሊ ቈንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ኣቶ ተኸስተ መሓሪ ተቐቢሎም።

ኣብ ካልእ ንጥፈት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፡ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንኡስ ጨንፈር ከለን – ጀርመን፡ “መብጸዓ ንብሩህ መጻኢ” ብዝብል ቴማ፡ ብ12 ጥሪ መደብ መዓልቲ ስንኩላን ወዲቡ።

ኣብ’ዚ ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ዘአንገደ መደብ፡ ኣደመንበር ናይቲ ንኡስ ጨንፈር ወይዘሮ ደሃብ ኢያሱ፡ መልእኽቲ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ኣቕሪባ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ተሳተፍቲ ኣብ መዓላ ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ዝውዕል 1600 ዩሮ ኣበርኪቶም።

Categories