ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ተዳኺሙ ዘሎ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዕቱብ ክስራሓሉ ምዃኑ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣቶ ኣቡበከር ዑስማን ገሊጹ።

ኣቶ ኣቡበከር፡ ኣብ 2018 ኣብ ዝበዝሐ ከባቢታት ናይ’ቲ ዞባ ዝወቕዐ ዝናብ ብመጠንን ዝርጋሐን ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ዝሓሸ’ኳ እንተነበረ፡ ሓረስቶት ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ብሓፈሻ፡ ኣብ ምዝላይን ምንቃልን ምዅስኳስን ግራውቶም ድማ ብፍላይ፡ ከምቲ ዝድለ ስለዘይነጠፉ፡ እቶቶም ብመንጽር’ቲ ዝተሓርሰ ስፍሓትን ዝዝነበ ማይን ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ክረምቲ 193 ሽሕ ሄክታር ከምእተዘርአ፡ ብዝተገብረ ገምጋም ግና – እቲ ዝርከብ እቶት ካብ 830 ሽሕ ኵንታል ዝሓልፍ ከምዘይኮነ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣቡበከር፡ እዚ ዋላ’ኳ ካብ’ቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ዕብየት እንተለዎ፡ ኣዕጋቢ ከምዘይኮነ ኣነጺሩ።

ኣብ 12 ሽሕ ሄክታር ካብ ዝለምዐ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሓሸ መጠን ፍርያት ከምእተሓፍሰ፡ መግሃጫታት እኹል መግቢ እንስሳ ከምዘለዎ፡ ዲጋታትን ራህያታትን እውን ዝኣክል ማይ ከዚነን ምህላወን ብምሕባር ድማ፡ ኣብ ትሕጃ መግብን ማይን እንሳሳታት ስክፍታ ከምዘየለ ገሊጹ።

ኣቶ ኣቡበከር፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዝስዕርር ዘሎ ብርሰት ኣግራብ ንምግታእ፡ ህዝቢ ምስ ዝምልከቶም ናይ ምቊጽጻር ኣካላት ዝገብሮ ምትሕብባር ከዕዝዝ፡ ኣብ ዘራእትን ፍረታትን እውን ብክኢላታት ዝወሃብ ምኽርን ኣስተምህሮን ኣብ ግብሪ ክውዕል ተላብዩ።

Categories