ፖሊስ ኤርትራ፡ ብ10 ጥሪ ኣብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈቱ ኣብ ዝርከብ ‘ኣዳራሽ ሰላም’፡ ዓመታዊ ገምጋም ስራሕ ኣካዪዱ።

ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዓመተ2018 ምስ ኩሉ ዝነበረ ብድሆታትን ሕጽረታትን፡ ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ሰላምን ዜጋታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምውጋድ ተኽእሎታት ሓደጋታት፡ ውጽኢታዊ ዕማም ዝተሰላሰለላ ዓመት ምንባራ ገሊጹ።

ኮሎኔል መሓሪ ኣስዒቡ፡ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ምስ’ቲ ብዙሕ እወታዊ ሸነኻቱ – ብድሆታት እውን ስለዘለዎ፡ ብውህደት ህዝብን ፖሊስን ዕቱብ ስራሓት ይካየድ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ንንጥፈታት ፖሊስ ትራፊክ፡ መርመራ ገበን፡ ቊጽጽራዊ ስራሓት፡ ባህርያዊ ሓደጋታት፡ ጐስጓስን ሓበሬታን፡ ዝምድና ህዝብን ፖሊስን፡ ምጽራይን ምውጋንን ሰነዳት፡ ጉዳይ ወዲቑ ዝተረኽበ ገንዘብን ንብረትን፡ መልሰ-ግብሪ ፖሊስ ንህጹጽ ጻውዒት ህዝቢ፡ ውህደት ፖሊስ ምስ ኣኽባር ሕጊ፡ ኣብያተ-ፍርድን ካልኦት ኣካላት መንግስትን፡ ምቊጽጻር መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ንትሕቲ ዕድመ፡ ኣብ ዝብሉን ካልኦት ፖሊሳዊ ዕማማትን ዘተኰረ ጸብጻባት ቀሪቡ።

ዝደጋገም ጠንቂ ሓደጋ ተግባራት ኣሽከርከርቲ፡ ምጽራይ ውንዙፋት መዛግብቲ፡ ተኽእሎታት ፍጻመ ገበናት ኣቐዲምካ ምክትታልን ሓበሬታ ምእካብን – ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ካብ ህዝቢ ንዝወሃብ ሓበሬታ ብግቡእ ምስማዕ፡ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ድማ ተዘትዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ሞያ ፖሊስ ኣብነታዊ ስራሕ ንዝዓመሙን ትግሃት ንዘርኣዩን፡ ከምኡ’ውን ገበን ኣብ ምክልኻል – “ኩሉ ዜጋ ፖሊስ ሃገሩ እዩ” ንዝብል መትከል ዘመስከሩ ኣብነታውያን ዜጋታት፡ ኣፍልጦን ሽልማትን ተዋሂቡ።

Categories