ኣብ ማሕበር ፍኖተ-ሰማእታት ተጠርኒፎም ዝነጥፉ ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል፡ ኣብ 2019 ስድራቤት ስዉኣት ናይ ምንባይ መደባት ብዝለዓለ ከምዝሰርሑሉ፡ ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ ገሊጾም።

ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ኣብ 2018 ዝተወደቡ ሓደስቲ ኣስታት 100 ኣባላት ነፍሲ-ወከፎም 720 ዶላር ብምኽፋል፡ ልዕሊ 72 ሽሕ ዶላር ንመናበዪ ስድራ ስዉኣት ንኽውዕል ብመንገዲ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ክልእኩ እንከለዉ፡ ናይ’ታ ዝናብዩዋ ስድራ ስዉእ ምሉእ ሓበሬታ ድማ ተዋሂቡዎም።

ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ ሃገራዊ መደባት ብኣድማዕነት ንምትግባር ብሓፈሻ፡ ስድራቤት ስዉኣት ንምንባይ ድማ ብፍላይ – ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ስለ ዘይኮነ በቲ ሓደ፡ ዝያዳ ሕልናዊ ዕግበት ስለ ዝፈጥረሎም ድማ በቲ ካልእ፡ ውዳበኦምን ጥርናፈኦምን ኣሐዪሎም ከምዝነጥፉሉ ኣረጋጊጾም።

Categories