ክፍሊ ማይ ከተማ ኣቑርደት፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ተሓጺሩ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ቀረብ ዝስተ ማይ፡ ናብ ከባቢ ዓድታት ንምስፋሕ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ሓላፊ’ቲ ቤት-ጽሕፈት ኣቶ ብርሃነ መሓሪ ሓቢሩ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓደርደ – ኣርባዕተ ባስካታት ተዋዲደን ቈጸርቲ ተዘርጊሑ ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ቀረብ ማይ ከም እተረጋገጸ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኢንገርነ እውን ኣርባዕተ ባስካታት ተሰሪሐን ኣገልግሎት ኣብ ምጅማር ከምዝርከባ ኣቶ ብርሃነ ገሊጹ።

መስመር ዘይበጽሖ ከባቢታት ከተማ ኣቑርደት ቦጣት ተመዲበናሉ ብርትዓዊ ዋጋ ኣገልግሎት ይረክብ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር ከኣ፡ ዝኣረገ ሻምብቆታት ማይ ክቕየር ተላብዩ።

Categories