ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሞልቊ፡ ን2018 ካብ ዝወጠኖም ዓበይቲ መደባት – መስርሕ መለሳ ናይ ሕርሻ መሬት፡ ብጽቡቕ ከም እተተግበረ ተሓቢሩ።

እዚ ዝተገልጸ፡ ንጥፈታት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ እዩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሞልቊ ኣቶ ዘርኣይ በርሀ፡ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ጐስጓሳት፡ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ህዝቢን ጽፈት ትግባረ ናይቲ መደብን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ገሊጹ።

ናይ ኣገልግሎት ግዜኦም ዘብቅዑ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ንምትካእ ዝተኻየደ ምርጫታት እውን ብዓወት ከምእተሰላሰለ ኣብሪሁ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ባህሊ ሓባራዊ ዕዮ ብምምዕባል ተረኺቡ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋህው ኣብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ንምውዓል፡ ብትግሃት ክዓዩ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

Categories