ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ 2018 ኣብ ልምዓታዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲውን ባህላውን መዳያት ናይ ዘካየዶ ንጥፈታት ገምጋም፡ ብ3ን 4ን ጥሪ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣቃኒዑ።

ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ በቲ ኣስታት 400 ሽሕ ጉልበት ሰብ ዝተሳተፎ ወፈራታት፡ ኣብ ብርክት ዝበላ ንኡስ ዞባታት ዝተበላሸወ ፕሮጀክትታት ቀረብ ማይ ክጽገን እንከሎ፡ ኣብ ውሱናት ዓድታት ድማ፡ ሓድሽ ፕሮጀክት ከምእተዋደደ፡ ኣስታት 700 ኪ.ሜ. ናይ ሓመድ ጽርጋያታት ከምእተጸገነ በሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ ምርጫታት ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን ምምሕዳራት ከባቢ ከም እተኻየደ፡ ኣብ ዝበዝሓ ንኡስ ዞባታት መስርሕ ምድልዳል መሬት ክረምታዊ ሕርሻ ከምእተሰላሰለ፡ ትግባረ ሓድሽ መምርሒ ክራይ ኣባይቲ ንምርጋግጽ ድማ ሓያል ስራሕ ይዕመም ከምዘሎ ተገሊጹ።

ህዝቢ፡ ተሳታፍን ረባሒን ናይ’ቲ ኣብ ከባቢኡ ዝሰላሰል ዘሎ ዓበይቲ ልምዓታዊ ወፍርታት ንክኸውን ብዝወጽአ መደብ ከኣ፡ ሓያሎ ነበርቲ፡ ኣብ ትሕቲ ዲጋታት ፌስኮ፡ ገርሰት፡ ዓድ ዑመር፡ ከርከበትን ፋብሪካ ባናቶም ኣለቡን፡ ናይ ስራሕ ዕድል ተፈጢሩሉ፡ ተጠቃሚ ክኸውን ከም ዝበቕዐ ተገሊጹ።

ክራማት ሎም-ዘበን ካብ’ቲ ቅድመኡ ዝነበረ ዓመት ዝሓሸ ከምዝነበረ ዘመልከተ ሓበሬታ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን፡ ካብ’ቲ ዝተዘርአ 193 ሽሕ ሄክታር፡ ልዕሊ 850 ሽሕ ኲንታል ምህርቲ ከምእተሓፈሰ፡ መግቢ እንሳሳ ብዝምልከት ድማ፡ ናብ ክራማት ከሰጋግር ዝኽእል ምህርቲ ተኸዚኑ ከምዘሎ ብዝርዝር ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ ዞባ ኣስታት 79 ትካላት ጥዕናን 485 ትካላት ትምህርትን ከምዘለዋ ዝጠቐሰ ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ህዝቢ፡ ኣብ ምድንፋዕ ህዝባዊ ጥዕናን ምክልኻል ተመሓለፍቲ ሕማማትን ዘርኣዮ ተበግሶ ልዑል ምንባሩ፡ ተሳታፍነት ኣብ ትምህርቲ’ውን ብመጠኑ ዕብየት ከምዘርኣየ ገሊጹ።

ጸብጻባት ናይ ጨናፍር ማሕበራትን ፖሊስን ናይ ዘካየድኦ ንጥፈታት፡ ከምኡ’ውን ዜናዊ ስርሓት እውን በብዝምልከቶም ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ዝቐረቡ ጸብጻባት ምርኲስ ብምግባር ድሕሪ ዝገበርዎ ምልውዋጥ ሓሳባት፡ ኣብ መጻኢ ዝሰላሰል መደባት ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ኣብ ዘስመዖ መዛዘሚ ቃል፡ ብመኸተ ልምዓት ተዋሂቦም ዘለዉ መደባት ምክትታልን ምትግባርን፡ ሜላታት ምክትታልን ምቍጽጻርን መደባት ስራሕ ምሕያል፡ ተሳተፍነት ኣብ ትምህርቲ ምድንፋዕ፡ ከምኡ’ውን ንጥፈታት ከባብያዊ ጽሬት ምትብባዕን ምዕዛዝ ባህላውን ስፖርታውን መደባት፡ ካብ ቀንዲ መደባት 2019 ምዃኖም ኣብሪሁ። ዝምልከተን ኣካላት ዕቱብ ጠመተ ክህባኦ እውን ጸዊዑ።

Categories