ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ፡ ብምኽንያት በዓል ልደት ቃለ-ቡራኬ ሂቦም።

ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ መልእኽቶም፡ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ልደት፡ ንዓመታት ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰፊኑ ዝነበረ ናይ ኲናት ሃዋህው ኣኽቲሙ፡ ሰላም ኣብ ዝሰፈነሉ ሓድሽ መዋእል ትበዓል ብምህላዋ፡ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ፍልይቲ ከምዝገብራ ብምሕባር፡ ንህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን በዓል ልደትን ተመንዮም።

ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ኣስዒቦም፡ በዓል ኣብ እነብዕለሉ፡ ስድራ ስውኣት፡ ድኻታት፡ ጽጉማትን ጠዋሪ ዘድልዮም ኣረጋውያንን ክንሕግዝ ከም ዝግባእ ምግንዛብ ከምዘድሊ ብምሕባር፡ ንዝተጸገመ ወገንካ ምሕጋዝ ካብ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑን ተኻፊልና ክንሕጎስን ተላብዮም።

ኣብ መወዳእታ፡ ዓመተ 2019 – ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ንሓይልታት ምክልኻል፡ ዓመተ ሰላም፡ ራህዋን ብልጽግናን ክትከውን ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም።

Categories