Archive - 2018

መንእሰያት ህርጉድ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ይነጥፉ

መንእሰያት ህርጉድ – ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ መሬት ሕርሻ ሰንጢቑ ዝሓልፍ ኣስታት 5 ኪሎ-ሜተር ሩባ ንምዝላይ ወፈራታት የካይዱ ኣለዉ። እቶም መንእሰያት፡ ነቲ ብምዕቃብ ማይን ሓመድን ጀሚሮምዎ ዘለዉ ዕዮ፡ ብምጽጋን ጽርግያን ካልእ ንጥፈታትን ክቕጽልዎ ምዃኖም...

ዞ/ሰ/ቀ/ባሕሪ – መሰረታዊ ኣገልግሎታት ጥዕና ተሞጒሱ

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዝርጋሐን ብቕዓትን ትካላት ጥዕና ንምርግጋጽ ብዝተኻየደ ወፍሪ፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ’ቲ ዞባ ኣገልግሎት ጥዕና ከምዝረክብ፡ 74 ሚእታዊት ካብኡ ነቲ ኣገልግሎት ኣብ ውሽጢ 10 ኪሎ-ሜተር ከምዝረኽቦ ተገሊጹ። ሓላፊ...

ዓንሰባ – 150 ርእሳነ-መማህራን ስልጠና ተዋሂብዎም

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዞባ ዓንሰባ ንዝነጥፉ ርእሳነ-መማህራን መባእታን ማእከላይን ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ምሕደራ ጸጋታት ዝጸንሖም ዓቕምን ክእለትን ክብ ንምባል ዝሕግዝ ስልጠና ተዋሂቡ። እቲ ንሓሙሽተ መዓልትታት ዝቐጸለ ስልጠና፡ ንተራ መምህር ብሓፈሻ ርእሰ...

መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ይዝተየሉ

ኣብያተ-ትምህርቲ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣስመራ፡ ብ22 ለካቲት ኣብ ምሕያል መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝዘተየ ኣኼባ ኣካዪደን። ኣብ’ቲ ዳይረክተራት፡ ሱፐርቫይዘራትን ኮሚተ ወለድን ዝተሳተፉሉ ርክብ፡ ብወገን ተመሃሮን መማህራንን ኣብ ዝርኣዩ ጸገማትን ንምፍትሖም ክግበር...

ኣገልግሎት ‘ኮማዊ ሆስፒታል ኣውሓ’ ንምስፋሕ ጻዕሪታት ይካየድ

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ማይ-ነሃዩግ ዝርከብ ኮማዊ ሆስፒታል ኣውሓ፡ ንተቐማጦ ርሑቕ ገጠራት ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ዃላን ማይ-ምነን ዝህቦ ኣገልግሎት ንምምዕባልን ንምስፋሕን ጻዕሪታት ይካየድ ኣሎ። ሓላፊ’ቲ ኮማዊ ሆስፒታል፡ ነርስ ተስፋስላሰ ብርሃነ፡ ኣብ ምፍዋስ...

Login

Categories