ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዝርጋሐን ብቕዓትን ትካላት ጥዕና ንምርግጋጽ ብዝተኻየደ ወፍሪ፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ’ቲ ዞባ ኣገልግሎት ጥዕና ከምዝረክብ፡ 74 ሚእታዊት ካብኡ ነቲ ኣገልግሎት ኣብ ውሽጢ 10 ኪሎ-ሜተር ከምዝረኽቦ ተገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ዮውሃንስ ተኸስተ፡ ንዓመታት ካብ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተሓሪሙ ዝጸንሐ – ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝነብር ህዝቢ፡ ገዚፍ ወጻኢታት ብምውፋር ሳላ ዝተጠርነፈ ኣገልግሎት ክረክብ ከምዝበቕዐ ኣረዲኡ።

መብዛሕትአን ትካላት ጥዕና ዘበናዊ መሳርሒታትን ብቑዓት ሞያውያንን ብምዕጣቐን፡ ኣብ ሆስፒታላት ዝርአ ዝነበረ ጻዕቂ ኣብ ምቅላልን ዝለዓለ ሕክምና ንምርካብ ዝነበረ ሃልኪ ኣብ ምንካይን ጽቡቕ ኣበርክቶ ይገብራ ከምዘለዋ ገሊጹ።

ኣብ ማእከላት ጥዕና እንድላል፡ ቅሮራ፡ ኣዶብሓ፡ ቃምጨዋ፡ ዳህላክን እማህሚመን – ሓደስቲ ኣምቡላንሳት ከምእተመደባ፡ ኣብ ሆስፒታላት ናቕፋ፡ ኣፍዓበትን ባጽዕን ኣገልግሎት ሕክምና ስኒ ከምእተጀመረ እውን ሓቢሩ።

ሸፈነ ክታበት ብዝምልከት፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ናይ’ቲ ዞባ ዝተደኰና ትካላት ጥዕና፡ መድሃኒት ንምዕቃብ ዝሕግዝ ጸሓያዊ ጸዓት ስለዝተተኽለለን – 85 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።

ብሓፈሻ ኣንጻር ሸሞንተ ሕማማት ስሩዕ ክታበት ከምዝወሃብ ዝጠቐሰ እቲ ጨንፈር፡ ንነብሰ-ጾራት ዝወሃብ ክታበት፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ኣደታትን ዕሸላተንን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ብሰንኪ ጉድለት ጽሬት ከጋጥም ዝጸንሐ ሕማማት ንምቊጽጻር ብዝተሰላሰለ ኮም ዝመርሖ መደባት፡ ተርእዮ ሕማም ትራኮማ ካብ ኣስታት 11 ሚእታዊት ናብ ኣስታት ሰለስተ ሚእታዊት ከም ዝወረደ፡ ዓሶ ድማ ብዓቢ መጠን ከምዝነከየ ተፈሊጡ።

Categories