መንእሰያት ህርጉድ – ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ መሬት ሕርሻ ሰንጢቑ ዝሓልፍ ኣስታት 5 ኪሎ-ሜተር ሩባ ንምዝላይ ወፈራታት የካይዱ ኣለዉ።

እቶም መንእሰያት፡ ነቲ ብምዕቃብ ማይን ሓመድን ጀሚሮምዎ ዘለዉ ዕዮ፡ ብምጽጋን ጽርግያን ካልእ ንጥፈታትን ክቕጽልዎ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ።

ነበርቲ ብግደኦም፡ እቲ ወፈራ መርኣያ ናይ’ቲ እናተወራረሰ ዝመጸ ባህሊ ምትሕግጋዝ ምዃኑ ብምሕባር፡ ነቲ መንእሰያት ደቆም ብልዑል ወኒ ዘሰላስልዎ ዘለዉ ዕማም ሞጒሶም።

ህርጉድ፡ ካብ ድባርዋ ንሸነኽ ምዕራብ ኣስታት 9 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ ዓዲ እያ።

Categories