ኣብያተ-ትምህርቲ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣስመራ፡ ብ22 ለካቲት ኣብ ምሕያል መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝዘተየ ኣኼባ ኣካዪደን።

ኣብ’ቲ ዳይረክተራት፡ ሱፐርቫይዘራትን ኮሚተ ወለድን ዝተሳተፉሉ ርክብ፡ ብወገን ተመሃሮን መማህራንን ኣብ ዝርኣዩ ጸገማትን ንምፍትሖም ክግበር ዘለዎ ውህደትን ጻዕሪን ብሰፊሑ ተዘትዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሚስተር ኣኣብ ቤት-ትምህርቱ ዝነበሩ እወታውን ኣሉታውን ጐድንታት ብዝርዝር ቀሪቦምን ምልውዋጥ ሓሳባት ተኻዪዱሎምን።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ሓላፊ ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ፡ መምህር ሰርጹ ተኽላይ፡ ኣብ ምጽጋን ኣብያተ-ትምህርቲ ተሳትፎ ህዝቢ ክዓዝዝ ተላብዩ።

ንትምህርቲ ኣብ ዝምልከት ካልእ ዜና፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ደቡብ ደንካልያ፡ ወለዲ ተመሃሮ ደቆም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ኣብ ምልኣኽ ዘተባብዕ ተሳትፎ የርእዩ ከምዘለዉ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ መምህር እድሪስ ዓሊ ገሊጹ።

ምስ ወከልቲ ህዝቢ ምምሕዳራት ከባቢ ሓርሲለን ኣቦን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ መምህር እድሪስ፡ መሰረት ምዕባለን ብልጽግናን ትምህርቲ ብምዃኑ፡ ወለዲ ኣብ ምክትታልን ምትብባዕን ተመሃሮ ደቆም ኣበርክቶኦም ዝያዳ ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ከባቢ ቊጽሪ ናይቶም ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዝጽንበሩ ዘለዉ ዜጋታት – እናዓበየ ምምጽኡ ዝጠቐሰ መምህር እድሪስ፡ መሃይምነት ምሉእ ብምሉእ ንምጥፋእ ግዳ፡ ወለድን ምምሕዳራትን ምስ ኣብያተ-ትምህርቲ ተወሃሂዶም ክሰርሑ ጸዊዑ።

Categories