ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዞባ ዓንሰባ ንዝነጥፉ ርእሳነ-መማህራን መባእታን ማእከላይን ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ምሕደራ ጸጋታት ዝጸንሖም ዓቕምን ክእለትን ክብ ንምባል ዝሕግዝ ስልጠና ተዋሂቡ።

እቲ ንሓሙሽተ መዓልትታት ዝቐጸለ ስልጠና፡ ንተራ መምህር ብሓፈሻ ርእሰ- መምህር ድማ ብፍላይ ኣብ ምምእዛንን ኣርኣያነትን፡ ምድላው ውጥንን ኣገዳስነቱን፡ ጽልዋ ውሕሉል ምሕደራ ኣብ ኣድማዕነት ውጽኢት ኣብ ዝብሉን ካልኦትን መሰረታውያን ዛዕባታት ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

ወኪል ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ መምህር መሓመድ-ዑመር ዓብደላ፡ እቲ መደብ፡ ንርእሳነ-መማህራን ዘነጣጥፍን ዘዘኻኽርን፡ ከምኡ’ውን ዕለታዊ ሞያዊ ተልእኾኦም ንምትግባር ዝሕግዝ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ ምትግባሩ ኩሉ ዘድሊ ምትሕብባር ከም ዝግበረሎም ኣረጋጊጹ።

ሰልጠንቲ፡ እቲ ትምህርቲ ንዝጸንሖም ተመኲሮ ዝድርዕ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ በብደረጃኡ ክቕጽል ተላብዮም።

ካብ ጨንፈር ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ – መምህር የማነ ኪዳነ ድማ፡ ውጽኢቱ ብምግምጋም ቀጻልነት ተመሳሳሊ ስልጠናታት ንምውሓስ ንዘሎ ቅሩብነት ገሊጹ።

Categories