ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ማይ-ነሃዩግ ዝርከብ ኮማዊ ሆስፒታል ኣውሓ፡ ንተቐማጦ ርሑቕ ገጠራት ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ዃላን ማይ-ምነን ዝህቦ ኣገልግሎት ንምምዕባልን ንምስፋሕን ጻዕሪታት ይካየድ ኣሎ።

ሓላፊ’ቲ ኮማዊ ሆስፒታል፡ ነርስ ተስፋስላሰ ብርሃነ፡ ኣብ ምፍዋስ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት ብሓፈሻ፡ ኣብ ውሁድ ፍወሳ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት፡ ክታበት ኣደን ህጻንን፡ ኣገልግሎት ምኽርን ወለንታዊ መርመራን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣገልግሎት ላቦራቶሪ ድማ ብፍላይ ዝምስገን ኣገልግሎት ይወሃብ ምህላዉ ብምሕባር፡ ነዚ ዓቂብካ ተወሳኺ ኣገልግሎታት ንምትእትታው መደብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ’ቲ ኮማዊ ሆስፒታል 500 ነብሰ-ጾራት ምክትታል ቅድሚ ሕርሲ ከምዝገበራ ዝጠቐሰ ነርስ ተስፋስላሴ፡ ኣብ ሞንጎ’ተን ምክትታል ዝገበራን ኣብ ትካል ጥዕና ዝሓረሳን ዘሎ ፍልልይ ገና ዓቢ ስለዝኾነ ግን፡ ኣብ ዝካየድ ጐስጓሳት ምምሕዳራት ምትሕብባረን ክብ ከብላ ጸዊዑ።

ኮማዊ ሆስፒታል ኣውሓ፡ ሕማም ዓሶ ንምግታእን ንምጥፋእን እውን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘካየዶ ጐስጓሳትን ንጥፈታት ምዕቃብ ጽሬት ከባብን፡ 15 ሽሕ ናሙስያ ከምዝዓደለ ተፈሊጡ።

ኮማዊ ሆስፒታል ኣውሓ፡ ካብ ከተማ ዓዲ-ዃላ ንሸነኽ ደቡብ 22 ኪሎ-ሜተር ርሒቑ ይርከብ።

Categories