Archive - 2018

ኣራዕታ – ደቂ-ኣንስትዮ ንምሕያል ጻዕርታት ይቕጽል

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ፡ ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ንምሕያልን፡ ኣብ ውሁብ ዕድላት ተጠቃምነተን ንምዕባይን – ኣብ ምሕያል ንቕሓትን ውዳበን ዘተኰረ ንጥፈታት ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ሓላፊት ሃማደኤ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ወይዘሮ ሳዕድያ...

‘ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት-ሳዋ’ ንምሕያል ይስራሓሉ

ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት-ሳዋ፡ ዘበናዊ መምሃሪ መሳርሒታት ብምዕጣቕ – ብቕዓት ትምህርቲ ክብ ንምባል ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ርእሰ-መምህር ናይ’ቲ ማእከል መምህር ተስፋይ ተወልደ ገሊጹ። ንጥፈታት ናይ’ቲ ማእከል ንምግምጋም ብ31 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ...

ጥዕና ተመሃሮ ኣብ ምክትታል ዝሕግዝ ስልጠና ተዋሂቡ

ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ ንልዕሊ 170 ኣለይቲ መማህራን – ጥዕና ተመሃሮ ኣብ ምክትታል ዝሕግዞም ስልጠና ወዲቡ። እቲ ዕላማ፡ መማህራን ብዛዕባ ኣብ ዓይኒ፡ እዝኒ፡ ጐረሮን ቈርበትን ዝኽሰቱ ጸገማት መባእታዊ ኣፍልጦ ሃልይዎም፡ ንወለድን ሰብ...

ተጋዳላይ መሓመድ-ዓሊ ዑመር ተሰዊኡ

ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ-ዓሊ ዑመር፡ ብ1 ሚያዝያ ኣብ መበል 69 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ። ኣብ 1966 ናብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ-ዓሊ፡ ክሳብ 1981 ካብ ተራ ተዋጋኢ ክሳብ መራሕ ብርጌድ ኮይኑ ዝተጋደለን ዝመርሐን ሓርበኛ...

ዓንሰባ – ኣመሓዳሪ ምስ ነበርቲ ን/ዞ/ሓጋዝ ኣብ መደባት ልምዓት ዘትዩ

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ብ31 መጋቢት ምስ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ሸበቕ፡ ዓዲ-ኣረይን ዓዲ-ዑመርን – ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ኣብ ኣተገባብራ መደባት ልምዓት ዘትዩ። ብምውህሃድ ህዝብን መንግስትን ዝሰላሰል ዘሎ መደባት፡ መነባብሮ ዜጋታት ኣብ...

ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ዞባ ኤውሮጳ ተዛዚሙ

“እጃመይ፡ ኣብ ህንጻ ማዕከን ሞያውን ቊጠባውን ጸጋ ሃገር” ብዝብል ቴማ፡ ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 2 ሚያዝያ ዝተኻየደ መበል 14 ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ዞባ ኤውሮጳ፡ ደምዳሚ መግለጺ ብምውጻእ ተዛዚሙ። ኣብ’ቲ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስትን ግንባርን ሓላፊ ፖለቲካዊ...

Login

Categories