ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት-ሳዋ፡ ዘበናዊ መምሃሪ መሳርሒታት ብምዕጣቕ – ብቕዓት ትምህርቲ ክብ ንምባል ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ርእሰ-መምህር ናይ’ቲ ማእከል መምህር ተስፋይ ተወልደ ገሊጹ።

ንጥፈታት ናይ’ቲ ማእከል ንምግምጋም ብ31 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ መምህር ተስፋይ፡ ተመሃሮ፡ መማህራንን ኣለይትን ዝጸንሖም ሃጓፋት ብኣጋ ብምእራምን ብልጫታቶም ብምዕቃብን ንዝለዓለ ዓወት ክጽዕሩ ተላብዩ።

“ዘለዉና ብድሆታት እናተለለዩ በብግዜኡ ይፍትሑ ኣለዉ” ብምባል ድማ፡ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ኣድማዕነትን ብቕዓትን ንኽህልዎ ብሞያ ክድራዕ ስለዘለዎ፡ መንእሰያት ጻዕሪ ብምውሳኽ ተራሕዩ ንዘሎ ዕድላት ኣብ ረብሓኦም ከውዕልዎ፡ መማህራን ድማ ፍልጠቶም ብግቡእ ብምምሕልላፍ ብቑዕ ተካኢ ወለዶ ኣብ ምዂስኳስ ብዕቱብ ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደ፡ ሳዋ – ማእከል ትምህርትን ስልጠናን ኮይናትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ኩለን ኣብኣ ዘለዋ ኣሃዱታት ጸጋታተን ናብ’ዚ ቀዳምነት ህንጸት ሃገር ብምቕናዕ፡ ንጥፈታት ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎን ማእከል ሞያዊ ስልጠናታትን ንምዕዋት ብውህደት ክሰርሓ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

ኣብ 2007 ስርሑ ዝጀመረ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት-ሳዋ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ 16 ዓውድታት ስልጠና ዝሳተፉ 982 ኣብ 1ይ ዓመት፡ 1161 ድማ ኣብ 2ይ ዓመት፡ ብጠቕላላ 2143 ተመሃሮ የሰልጥን ከምዘሎ ተፈሊጡ።

Categories