ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ብ31 መጋቢት ምስ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ሸበቕ፡ ዓዲ-ኣረይን ዓዲ-ዑመርን – ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ኣብ ኣተገባብራ መደባት ልምዓት ዘትዩ።

ብምውህሃድ ህዝብን መንግስትን ዝሰላሰል ዘሎ መደባት፡ መነባብሮ ዜጋታት ኣብ ምምሕያሽ ዘተባብዕ ውጽኢት ይህብ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ዓሊ፡ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ መደባት ልምዓት ንምዕዋት እውን ኣበርክቶኦም ከዕዝዙን ደቆም ናብ ትምህርቲ ክልእኩን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ብሓፈሻ፡ ኣብ ምዕቃብ ባህሪያዊ ጸጋታት ገዳም ጻዕዳ-እምባ ድማ ብፍላይ ብኣተኲሮ ክሰርሑ እውን ተላብዩ።

ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ወይዘሮ ኣምና ሓጅ ዑስማን ብወገና፡ ተርእዮ ብርሰት ኣግራብ ንምቊጽጻር ጻዕርታቶም ከሐይሉ ጸዊዓ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ፡ ካብ ሓጋዝ ተበጊሳ ንኣሸራ፡ ዓዲ- ኣረይ፡ ሸበቕ፡ ከርመድ፡ ዓዲ-ዑመርን ካልኦት ከባቢታትን እተገልግል ኣውቶቡስ ብምምዳባ፡ ዝነበሮም ጸገም ከምእተቓለለ ገሊጾም።

Categories