ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ-ዓሊ ዑመር፡ ብ1 ሚያዝያ ኣብ መበል 69 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣብ 1966 ናብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ-ዓሊ፡ ክሳብ 1981 ካብ ተራ ተዋጋኢ ክሳብ መራሕ ብርጌድ ኮይኑ ዝተጋደለን ዝመርሐን ሓርበኛ እዩ።

ካብ 1981 ክሳብ 1990 ኣብ ሱዳን ምስ ‘ስሙር ውድብ’፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1990 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምጽንባር፡ ክሳብ 2003 ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት ሃገራዊ ግቡኡ ከማልእ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ተጣዪሱ ኣብ ትካል ኩባንያ ህንጻ ሰገን – ፋብሪካ ሕጡብ ጊንዳዕ እናሰርሐ ህይወቱ ክመርሕ ጸኒሑ።

ስዉእ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ-ዓሊ ዑመር፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ትሽዓተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ብ1 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ተፈጺሙ።

ኩባንያ ህንጻ ሰገን፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ-ዓሊ ዑመር ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን ጽንዓት ይምነ።

Categories