ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ ንልዕሊ 170 ኣለይቲ መማህራን – ጥዕና ተመሃሮ ኣብ ምክትታል ዝሕግዞም ስልጠና ወዲቡ።

እቲ ዕላማ፡ መማህራን ብዛዕባ ኣብ ዓይኒ፡ እዝኒ፡ ጐረሮን ቈርበትን ዝኽሰቱ ጸገማት መባእታዊ ኣፍልጦ ሃልይዎም፡ ንወለድን ሰብ- ሞያ ጥዕናን ቅልጡፍ ሓበሬታ ዝህቡሉ ባይታ ንምጥጣሕ ምዃኑ፡ ሓላፊ ምክትታል ጥዕና ተመሃሮ መምህር ኤፍሬም ስዩም ገሊጹ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል፡ ሓላፊ ኣሃዱ ከባብያዊ ጥዕና ኣቶ ኣብርሃም በላይን፡ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ክኢላ ሕማማት ቈርበት ዶክተር ሹማይ ኣብረንዮስን ኣብ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ፡ ህጻናት ካብ ሕማማት ንምድሓን ጽሬት ሰብነትን ዝምገቡሉ ናውቲን ክወሓስ፡ መማህራንን ወለድን ተራኦም ከዕዝዙ መኺሮም።

Categories