ኣብ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ፡ ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ንምሕያልን፡ ኣብ ውሁብ ዕድላት ተጠቃምነተን ንምዕባይን – ኣብ ምሕያል ንቕሓትን ውዳበን ዘተኰረ ንጥፈታት ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ሓላፊት ሃማደኤ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ወይዘሮ ሳዕድያ ኢብራሂም ሓቢራ።

ኣብ ዓድታት ዓሳጋላ፡ ኣዩመን፡ ኢጊሮሊን ሓመርቲን ምስ ዓበይቲ ዓድን ደቂ- ኣንስትዮን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ፡ ወይዘሮ ሳዕድያ፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ዝዓብየሉ ባይታ ንምፍጣርን ዘጋጥሙ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሽግራት ንምብዳህን፡ ምብራኽ ኩሉ-መዳያዊ ንቕሓት መሰረታዊ ምዃኑ ኣገንዚባ።

ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንቕሓትን ውዳበን ደቂ-ኣንስትዮ ንምድንፋዕ ዝዓለሙ ሰፋሕቲ መደባት ክካየዱ ምዃኖም ብምሕባር ከኣ፡ ኣብ ትግባረኦም ተራ ዓበይቲ ዓዲን ጸለውቲ ኣካላትን ክዓዝዝ ኣዘኻኺራ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ እውን – ሓረስቶት ደቂ-ኣንስትዮ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ብውሕጅ ዝዓነወ ዓግማትን ዘቢራትን ብምጽጋን እቶትን እቶታውነትን ንምዕዛዝ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወፈራዊ ስራሓት፡ ተሳትፎአን ከምዘዕዝዛ ገሊጸን።

እተን ሓረስቶት፡ ጸጋታት ከባቢ ኣብ ረብሓ ንምውዓልን ብመግቢ ነብስኻ ንምኽኣልን ኣብ ዝግበር ቃልሲ – ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ መሰረታዊ ምዃኑ ኣስሚረናሉ።

Categories