ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን፡ ምስ ማሕበር ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት ብምትሕብባር፡ ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ክነጥፉ ንዝጸንሑ 27 መንእሰያት ኣሰልጢኑ።

እቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብክልሰ-ሓሳብን ግብርን ዝተዋህበ ትምህርቲ፡ ኣናብባ ሙዚቃ፡ ጥበብ ኣደራርፋን ኣጸዋውታ መሳርሒታት ሙዚቃን ዘጠቓለለ ምንባሩ፡ ብ5 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምምራቕ ተገሊጹ።

ካብ ኣሰልጠንቲ፡ መምህር ሙዚቃ ኣቶ ፍጹም ዮውሃንስ፡ እቲ ትምህርቲ ኣብ መሰረታዊ ፍልጠት ምጽሓፍን ምንባብን ኖታ፡ ቅኑዕን ስነ-ፍልጠታውን ኣገባብ ኣደራርፋ፡ ከምኡ’ውን ናይ ፈጠራ መንፈስ ኣብ ዘበራብሩ ቅድታት ምውቃዕ መሳርሒታት ሙዚቃ ዘተኰረ ምንባሩ ሓቢሩ።

ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ እቲ ስልጠና በብመድረኹ ብሃገራውያንን ወጻእተኛታትን ክኢላታት ክቕጽል ምዃኑ ብምሕባር፡ ሰልጠንቲ ንዝቐሰምዎ መሰረታዊ ፍልጠት ብግብራዊ ስራሕ ከማዕብልዎ ኣዘኻኺሩ።

ሰልጠንቲ፡ ሙዚቃ ‘ሳይንስ’ ብምዃኑ፡ ብትምህርቲ ክስነ ከምዝግባእ ብምጥቃስ፡ እቲ ስልጠና ዝጸንሖም ድሩት ኣፍልጦ ንምዕማቚን ቅኑዕ ኣንፈት ንምትሓዝን ከምዝሓገዞም ሓቢሮም። ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ መጻኢ ዝበለጸ ሙዚቃዊ ስራሕ ንምፍራይ ከምዝጽዕሩ ድማ ገሊጾም።

Categories