ኣብያተ-ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ዞባታት ዓንሰባን ደቡብን፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ውድባዊ፡ ምምሕዳራውን ካልእን መዳያት ተታሒዞም ዝነበሩ መደባት፡ ከምኡ’ውን ካብ ትግባረኦምን ውጽኢቶምን ዝተቐስሙ ተመኲሮታት ንምግምጋም – ብ21 ታሕሳስ ኣኼባታት ኣካዪዶም።

ኣመሓደርቲ ክልቲአን ዞባታት ኣብ ዘስመዕዎ ቃል፡ ምዕባለ ብስራሕን ጻዕርን ዜጋታት ከምዝረጋገጽ፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ድማ፡ ነዚን ካልእን ክብርታት ኣብ ምዂስኳስ ብዕቱብ ክሰርሕ ምጽንሑ ብምጥቃስ፡ መሓውር’ቲ ግንባር ንምስፋሕን ንምሕያልን ዝትግበሩ ዕማማት ልዑል ቈላሕታ ክወሃቦም ኣዘኻኺሮም።

ጸሓፍቲ ህግደፍ ኣብ’ተን ዞባታት ድማ፡ ብዘይ ብቑዕን ንቑሕን ውዳበ ክምዕብልን ንሓባራዊ ረብሓታት ከውሕስን ዝኸኣለ ሕብረተሰብ ከምዘየለ ብምምልካት፡ ምሕያል ኣገባባት ኣወዳድባን ውዳቤታትን እዋኑ ዝጠልቦ ምዃኑ ገሊጾም።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ መደባት ፖለቲካዊ ትምህርቲ ክሕይል፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ምትዕርራይ ክግበረሉ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣመሓላሊፎም።

Categories